Saturday , April 27 2024

ሽወደን፡ ብኮታ ዝመጹ ቁጽሪ ስደተኛታት ወሲኻ ክትቅበል እያ

ኣብ ዓመተ 2021፡ ሃገረ ሽወደን፡ ካብቶም ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት፡ ካብቲ ዝግባኣ ኮታ ብግዝያውነት ወሲኻ፡ ኣስታት 6400 ስደተኛታት ክትቅበል መደብ ሒዛ ከምዘላን ነዚ ጉዳይ ንምክትታል፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ስልጣን ተዋሂቡ ከምዘሎን ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ናይ መገሻ ቀይድታት፡ ካብቶም ክትቅበሎም ዝግባኣ፡ 5000 ስደተኛታት፡ 3500 ጥራይ ከምዝተቐበለት ይዝከር።

እቶም ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ኮታ ዝኣትዉ፡ ዜጋታት ሶርያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኮንጎን ኤርትራን ምዃኖም ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com