Friday , May 10 2024

ሽወደን፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ መስርሕ ክታበት ኮሮና ክትጅምር እያ ተባሂሉ

ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ ክታበት ኮሮና ክጅምራ ምዃነን ድሕሪ ምግላጸን፡ ሽወደን ድማ ብመንገዲ ኣዋሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም ኣቢላ፡ ኣብ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ክታበት ኮሮና ክትጅምር ምዃና ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንኣባላት ዝኾና ሃገራት፡ ኣብ ዘመሓላላፎ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ሽወደን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ክታበት ክትጅምር እያ ብምባል ቤሬስትሮም ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን እታ ኣባል ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኾነት ጀርመን፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ክታበት ኮሮና ክትጅምር እንተድኣ ክኢላ፡ ሽወደን ውን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ክትጅምረሉ ዘይትኽእል ምኽንያት የብላን ክብል ገሊጹ።

ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣባል ኤውሮፓዊ ሕብረት ብዘይ ምዃና፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መደባትን ኣሰራርሓን ምርኩስ ብምጋባር፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ክታበት ኮሮና ክትጅምር ምዃና ሓቢራ ኣላ።

ብመሰረት ሽወደን ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኣተወቶ ውዕል ክታበት ኮሮና፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ፡ ንክልተ ሚልዮን ሰባት ዝኣክል 4 ሚልዮን ክታበት ኮሮና ክትርከብ ምዃና ይፍለጥ።

ኣብ ሽወደን፡ ክታበት ኮሮና ንኽወስዱ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣካላት፡ ሽማግለታት፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕናን ምእላይን ዝሰርሑ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com