Monday , April 29 2024
Foto: Claudio Bresciani / TT / Kod 10090

ሽወደን፡ “ዓበይቲ ለውጢታት ፖሊሲ ጸጥታ ንምግባር ግዜኡ ኣይኮነን”።

ምስ ምኽሳት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ፖሊሲ ጸጥታኣ ክለሳ ክትገብረሉ ትኽእል እኳ እንተኾነት ሽወደን ናብ ኔቶ ናይ ኣባልነት ሕቶ እተቕርበሉ ግዜ ሕጂ ኣይኮነን—-ግዜኡ ገና ኣይኣኸለን– ክትብል ሚኒስተር ጒድያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ሓቢራ።

ብዛዕባ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ውጽኢታት እገዳ፡ ኲነታት ጸጥታ ሽወደንን ኣባልነት ኔቶን ኣመልኪታ ን ሬድዮ ሽወደን ፍሉይ ሓበሬታ ሂባ’ላ። ንሳ ኣብቲ ጻንሒታ “ኣብ እዋን ቅልውላው ኣብ ዘለናሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓበይቲ ለውጢታት ፖሊሲ ጸጥታ ንምግባር ግዜኡ ኣይኮነን” ክትብል ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com