Saturday , April 27 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ሽወደን፡ ዴኒማርክን ኖርወይን ሓድሽ ወተሃደራዊ ሽርክነት ክገብራ ምዃነን ተገሊጹ

ሎሚ ዓርቢ፡ ሽወደን ምስ ዴኒማርክን ኖርወይን፡ ሓድሽ ስምምዕ ወተሃደራዊ ሽርክነት ክፍርማ ምዃነን ንጸብጻባት TV4 ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሰለስቲአን ሃገራት፡ ንኸጋጥመን ዝኽእል ስግኣታትን ጥሕሰታትን ንኽብደሃ፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንኽገብራ፡ ዝፍርመኦ ዘለዋ ስምምዕ እዩ።

ኣብ እዋን ቅልውላው፡ ብቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽንወስድን ወይ ድማ ንዝረኣዩና ስግኣታት፡ ኣቐዲምና እንታይ ክንገብር ከምዘለናን ብኸመይ ኣገባብ ክንብደሆ ከምዘለናን ዘይተጸንዑ ስጉምታት ንኸይንወስድ ዝሕግዝ ስምምዕ እዩ ክብል፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን፡ ፐተር ሁልትኲቪስት፡ ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ባሕርን ከባቢ ኦረሱንድን (Öresund) ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት እናተዳኸመ ይመጽእ ምህላዉ ሰለስቲአን ሃገራት ዝሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ። ሩስያ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ኣብ ከባቢ ሽወደን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ጸልይዎ ኣሎ። እቲ ምንታይሲ፡ ሩስያ፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት ንምትግባር፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትጥቀም ድልውቲ እያ ክብል፡ ሁልትኲቪስት፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com