Monday , April 29 2024
Credit: Aleksey Filippov /AFP/TT

ሽወደን ሓንቲ ካብተን ን ሰራዊት ዩክሬይን ሓገዝ ዘበርከታ ሃገራትን ህዝብታትን እያ ተባሂሉ።

ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ኲባንያታትን ዓለምና ንሰራዊት ዩክሬይን ዝውዕል ኣስታት 3.5 ቢልዮን ዶላር ምውፋየን ማእከላይ ባንክ ዩክሬይን ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ባንክ እዚ ገንዘብ ካብ ከምኒ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን እዩ ተረኺቡ።

ሰራዊት ዩክሬይን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ንዕጥቂ ስንቂን መግቢን ዝኸውን ገንዘብ ከም ዘድልዮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ፒተር ሊደን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ”ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com