Friday , April 26 2024

ሽወደን ምስ ምዝውዋር ገንዘብ ተዋፊሩ ንዝበለቶ በዓልመዚ ቀይዳ!!

ሽወደን ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ተዋፊሩ ንዝበለቶ ሓደ ቻይናዊ በዓልመዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ ። ሰብመዚ ሽወደን ብሰንበት እዮም ነዚ ቻይናዊ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዝሓዝዎ። ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሽወደን ነዚ ቻይናዊ ኣብ ሃገሩ ክፍረድ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዓዱ ባርባራዊ መቕጻዕቲ ክወርዶ እዩ ብዝብል ነጺጎሞ ኣለዉ።

 እንተኾነ ኣብ 2015 ኣብ ኣመሪካ ዝቐረበሉ ተወሳኺ ክሲ ብምምልካት ናብ ኣመሪካ ከስተልምዎ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከብ ቻይናዊ ኣብ ሃገረ ቻይና ኣዝዮም ካብ ዝድለዩ ሰባት ኮይኑ ብመንግስቲ ካብ ዝውነን ኩባንያ 100 ሚልዮን ዶላር ኣጠፋፊእካ ተባሂሉ ዝሕተት ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com