Friday , April 26 2024
Credit: Tomas Oneborg/SvD/TT

ሽወደን ስግኣታት ሃገራዊ ጸጥታ ኣለዋ ተባሂሉ ።

ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ስግኣታት ሃገራዊ ጸጥታ ሽወደን ምዝያዱ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ሚካኤል ቢደን ምስ ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣመልኪቱ።

ቢደን ነዚ ዝበለ ዝሓለፈ ሓሙስ ንዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከምኡውን ቅድሚ ክልተ መዓልታት ክጋዋሕ ዝጀመረ ተረርቲ መግለጺታት ሩስያ ብምምልካት እዩ።

ሽወደን ዘላትሉ ጸጥታዊ ኲነታት ብግልጺ ክቕመጥ ይግብኦ እዩ ዝበለ ቢደን ሰራዊት ሽወደን መላእ ሉኣላዊ ክሊ ሽወደን ኣብ ምክትታል ምህላዉን ዛጊት ኣብ ዶባት ሽወደን ዝኾነ ስግኣታት ናይ ግዳም ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዘይምህላዉን ወሲኹ ገሊጹሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com