Friday , April 26 2024

ሽወደን ናይ መጀመሪያ ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ካብ ዝነበሩ ሕጻናት ብወግዒ ክትቅበል ጀሚራ።

እቶም ምስ ሽወደን ምትእስሳር ካብዘሎዎም ወለዲ ዝተወልዱን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ዳዕሽ ካብ ዝጸንሑን፣ ቆልዑ ናብ ሽወደን ክመጹ ወግዓዊ መስርሕ ከምዝተጀመረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ከም ቀንዲ ወዳቢ ናይቲ ፈጣሪ ራዕዲ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ምዃኑ ዝተነግረሉ፣ምካኢል ስክራሞ ዝወለዶም ብጠቕላላ ሾዉዓተ ቆልዑ ናብ ሽወደን ክመጹ ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎዉን፣ወከልቲ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዒራቕን ጉዳይ እቶም ቆልዑ ተቕቢሎም ይሰርሕሉ ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣ ነዚ ዜና ተኸቲሉ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልከቶ እቶም ቆልዑ ናብ ሽወደን ምስ ኣተዉ፣ ኣብምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪ ክጣየሱ እዮም።

ሰብ መዚ ምምሕዳር ከተማ ዮቶቦሪ፣ ነቲ ዜና ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ካብ ኩናትን ዘስካሕኽሕ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታትን ዝመጹ ቆልዑ ብዝግባእ ክእልይ ዝኽእል ዓቕሚ ብኹሉ መዳይ ድሉዉ ከምዘሎ ኣፍሊጦም። ወለዲ እዞም ቆልዑ ኣብ ኩናት ሶርያ ከም ዝተቐተሉን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com