Tuesday , March 19 2024
Fredrik Sandberg/TT

ሽወደን ናይ ምእታው እገዳ ክናዋሕ እዩ።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ወጻኢ ናይ ዝመጹ ሰባት ዘንበሮ ግዜያዊ እገዳ ጒዕዞ ክሳብ 31 ማርች ዝመጽእ ዓመት ከናውሖ ምዃኑ ገሊጹ።

ካብ ምጅማር ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ምስ ምስላጥ ብረግዚት ብሪጣንያ ከም ዘይኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ከም እትጽብጸብ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እዚ እገዳ ንብሪጣንያ እውን ዘጠቓልል ክኸውን እዩ ኢሉ።

ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ካብዚ ሕጊ ውጹኣት እዮም፥ እንተላይ ዜጋታት ብሪጣንያ ድማ ኢሉ። ተቐማጦ ኣውሮጳዊ ሕብረት እንተላይ ዜጋታት ኖርዌይ፥ ስዊትዘርላንድ ሌይቸሰተርን ኣይስላንድን ናብ ሽወደን ናይ ምጒዓዝ መሰሎም ሕሉው ክኸውን እዩ።

እዚ ግዜያዊ ናይ ምእታው እገዳ ኣብ ማርች 19 ዝተኣታተወ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብለበዋ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ቆንስል ሚኒስተራትን ክናዋሕ ከም እተገብረ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com