Saturday , April 27 2024
Foto: Marko Säävälä / TT / kod 10510

ሽወደን ንሕማም ኮቪድ-19 ካብ ዝርዝር ሓደጋኛ ሕማማት ክትኣልዮ እያ ተባሂሉ።

መንግስቲ ሽወደን ካብ ወርሒ ሚያዝያ ንደሓር ን ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ዝርዝር ማሕበራዊ ሓደጋ ዘስዕቡ ሕማማት ክኣልዮ ውጥን ከም ዘለዎ ተገሊጹ። በዚ ኣቢሉ ድማ ንሕጊታት ለበዳ ክስርዞ ምዃኑ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ዝተረኽበ ዜና የመልክት።

መንግስቲ ሽወደን ንኽልቲኡ እዚ እማመታት ናብ ባይቶ ሪክስዳግ ከቕርቦ እዩ።

“ብመሰረት ዝገበርናዮ ገምጋም ንኣዋጅ ለበዳ ሕጂ ምስራዝ ግዜኡ ኣኺሉ እዩ,” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒድያት ሌና ሃለንግረን ኣመልኪታ።

ባይቶ ሽወደን ሪክስዳግ እዚ ኣዋጅ ክስረዝ ኣቐድም ኣቢሉ ሓቲቱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ዝርዝር ማሕበራዊ ሓደጋ ዘስዕቡ ሕማማት እንድሕሪ ተኣልዩ ከም ሳዕቤኑ መርመራን ውሸባን እውን ከምኡ ክስረዙ ምዃኖም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com