Friday , April 26 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ሽወደን ን ሽማግለታት ራብዓይ ዙር ክትባት ክወሃብ ተላብያ።

 

ዕድሜኦም 80ን ልዕሌኡን ዝኾኑ ሽማግለታት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይጐድል ኻልኣይ ክትባት ኮቪድ-19 ክወስዱ ከም ዝግባእ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዘለዎ ፍጡን ናይ ምልባድ ተኽእሎ ኣብ ግምት ዘእተወ ለበዋ ምዃኑ እውን ተገሊጹ።

እዚ ለበዋ ንዂሎማ ኣብ መእለዪ ትካላት ከምኡውን ሓገዝ እናተገብረሎም ኣብ ኣባይቲ ኣገልግሎት ዝቕመጡ ሰባት’ውን እዚ ሓገዝ የድልዮም እዩ ተባሂሉ’ሎ።

“እዚ ክትባት ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘደልድል እዩ። ስለዚ ድማ ኲሎም ዕድሜኦም ሰማንያን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት ካብዚ ምድላው ክረኽቡ እዮም ዝብል እምነት ኣሎና” ክብል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ ሽወደን ኣንደርሽ ቲግኔል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com