Wednesday , May 1 2024
Carolyn Kaster/AP/TT

ሽወደን ኣምባሳደራ ካብ ኪዬቭ ጸዊዓ።

ብሰንኪ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ሽወደን ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣ ካብ ኪየቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ። “ብሰንኪ ጽንኲርን ክትንበዮ ዘሸግርን ጸጥታዊ ኲነታት ኤምባሲና ኣባላቱ ካብ ኪዬቭ ከጒድል ወሲኑ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ’ላ።

ቤተሰብ እቶም ኣባላት ኤምባሲ ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻውዒት ድሮ ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣለዉ።

ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ ዲፕሎማስያዊ ሓገዛት ቆንስላዊ ንጥፈታት እውን ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ’ሎ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com