Saturday , April 27 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ሽወደን ኣብ 2019 21 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክትቅበል ትጽቢት ይግበር።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብዚ ዓመት’ዚ ን 21 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክቕበል ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ምስቲ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ክህሉ እዩ ኢሉ’ሎ።

እዚ ዓርቢ ካብ ዝወጸ ዕላዊ መግለጺ ኮምብስ ዝተረኽበ እዩ።

ብመሰረት ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኣብ ዓመተ 2019 ዕስራን ሓደን ሽሕ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ከኣ ከባቢ 22 ሽሕ ሓተትቲ ዕቚባ ክህልዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ 2018 ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ 21500 ኣቢሉ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com