Wednesday , May 8 2024
Credit: Keld Navntoft/TT Nyhetsbyrån

ሽወደን እንተተጠቒዓ ብሪጣንያ ክትሕግዛ ምዃና ቃል ኣትያ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ወተሃደራዊ ተጻብኦ እንተፈጺማ ብሪጣንያ ንሽወደን ክትሕግዛ ድልውቲ ምህላዋ ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋለስ ገሊጹ። ንሱ እዚ ዝበለ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ደንማርካውን ሽወደናዊን መዘናኡ ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፒተር ሃልትክቪስት ነዚ ቃል ብሪጣንያ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተራት ምክልኽል ሰለስቲአን ሃገራት ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ ወተሃደራዊ ልምምድ ፕሮጀክት ጥሙር ወፍሪ ንምስታፍ ኣብ ኮፐንሃገን ከም እተራኸቡ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ”ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com