Tuesday , March 19 2024
Foto: Johan Nilsson / TT

ሽወደን ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ ተላዒሎም

ትማል ረቡዕ ኲሎም መምርሕታት ኮቪድ-19 ከም እተላዕሉ ተገሊጹ።
እንተኾነ ግና ሰለስተ መምርሒታት ሕጂ’ውን ተግባራውያን ኮይነን ክቕጽላ እየን ተባሂሉ’ሎ።
ኲሎም 12 ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሜኦም ክኽተቡ እቶም ምልክታት እቲ ሕማም ዘርእዩ ድማ ኣብ
ቤቶም ክውሰኑ፡ ዛጊት ዘይተኸትቡ ዓበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ እኲብ ሰብ ከይርከቡን ኣብ ውሽጢ ቤት
ውን እንተኾነ ብዝሒ ሰብ እንተሎ ክፍለዩን ለበዋ ቀሪቡ’ሎ።
ብዘይካዚ ሽወደን ንምእታው ዘገልግል ዝነበረ መምርሒ እውን ክቕየር እዩ። ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡
መሻርኽቲ ሃገራት ቊጠባ ኣውሮጳ ወይ ውሲትዘርላንድ ንዝኣትዉ ዝኾነ ናይ ጒዕዞ ገደብ ወይ ናይ
መርመራ ምስክር ወረቐት ኣይክሕተቱን እዮም። ጒዳዮም ብፍሉይ ንዝረኣየሎም እዚ ናይ ጒዕዞ እገዳ
ኣብ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ጸኒዑ ክቕጽል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com