Thursday , May 9 2024

ቁጠባ ምምሕዳራትን ዞባትን፥ ቅድሚ 2023 ናብቲ ንቡር ኩነታት ከምዘይምለስ ኪኢላታት ይሕበሩ።

ሽወደናውያን ምምሕዳር ከተማታትን ዞባታትን፡ ቁጠባ ሽወደን ክሳዕ 2023 ናብቲ ዝነበሮ ከም ዘይምለስ ኣጠንቂቀን። ሽሕኳ እቲ ኩነታት ኣወንታዊ እንተ ኾነ፡ ቅድሚ 2023 ግን ናብ ሚዛንነት ኣይክንኣቱን ኢና፡ ትብል ኣኒካ ቫለንስኮግ ናይቲ ማሕበር ሓላፊት ቁጠባ። ሽሕኳ ናይ ከተማ ምምሕዳራትን ዞባታትን እኹል መንግስታዊ ደገፍ ረኺበን እንተ ኾና፡ እዚ ለበዳ እዚ ግን ነቲ ቁጠባ ኣበርቲዑ ይሃስዮ ከምዘሎ ትገልጽ። ምምሕዳር ከተማታትን ዞባታትን ብዘይካ ነቲ ኣብ መጎዓዝያ ዘሎ ክሳራታት ንምሽፋን፡ ን 2021 ተወሳኺ 8 ቢልዮን ክሩነር ይሓታ ኣለዋ። እቲ ጸገም፡ ቁጠባዊ ጥራይ ኣይኮነን፡ ትብል ቫለንስኮግ፡ ናይ መጥባሕቲ ወይ ኦፐረሽን ንጥፈት ኪስረዝ ከሎ፡ ናይ ስኒ ሕክምና ደው ኢሉ፡ ናይ ኣእምሮ ሕማማት ድማ ይበዝሕ ኣሎ፡ ስለዚ ኣብቲ ናይ ሕክምና መዳይ ብዙሕ ዕዳ ስለ ዚህልወና ድጎማ ክንገብረሉ ክንግደድ ኢና ብምባል ድማ ትውስኽ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ወጻኢታት ኣብዚሐን ነይረን፡ ኣታዊታት ድማ ጎዲሉ። ንኣብነት ኣብ መጎዓዝያ ሰክቶር፡ ሓደ ቢልዮን ክሩነር ወርሓዊ ክሳራ ነይሩ፡ ክንክን ስኒ ድማ 300 ሚልዮን ወርሓዊ¨ ክሳራ ነይሩዎ። ናይ ባህልን ስፖርትን ኣታዊታት ድማ ፈጺሙ ጠፊኡ።

ፊናንሳውን ማሕበራውን ሓገዝ ኣብ 2021 ብ30% ክብ ኪብል እዩ። ኣብተን ዞባታት ድማ ናይ 6 ቢልዮን ክሳራ ኣብ 2020 ከም ዚህሉ ትጽቢት ተነቢሩሉ ነይሩ። ኣብ 2019 እተን ምምሕዳር ከተማታት ናብ 17.1 ቢልዮን በጺሐን ነይረን፡ 70 ምምሕዳራት ድማ ጥፈሻ ኣመዝጊበን ነይረን። ኣብዚ ዓመት እቲ ናይ ምምሕዳር ከተማታት ዝያዳ ተረፍ (ሰርፕላስ) ናብ 13 ቢልዮን ክሩነር ከም ዚበጽሕ ትጽቢት ኣሎ፡ ከምዚ ዚኸውን ግን እቲ መንግስቲ ብምኽንያት ኮሮና ድጎማ ምስ ዚገብር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com