Monday , April 29 2024

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕብየት እኳ እንተገበረ፡ ክኢላታት ግን ጥንቃቐ ክግበር የተሕእሳስቡ

Credit: Magnus Hjalmarson Neideman/SvD/TT

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ብ 0.1% ከምዝዓበየ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ትማሊ ረቡዕ ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ግምት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኣመልክት። እቲ ወርሓዊ ኣሃዛት ንቁጠባ ሽወደን ካብቲ ተንተንቲ ዝጽበይዎ ንላዕሊ ኣወንታዊ ስእሊ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ ገሊኦም ግን እቲ ቁጽሪ ብጥርጣረ ክረአ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ወጻኢታት ስድራቤታት ብ 0.5% ከምዝነከየ ብተወሳኺ ቀሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com