Wednesday , May 8 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ቁጽሪ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 146 በጺሑ::

ኣብ ሽወደን ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ብዝሖም ናብ 146 ክበጽሕ እንከሎ እቶም 88 ካብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ብክሮነ ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት ብዝሖም ልዕሊ 4000 ክበጽሕ እንከሎ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ድማ ልዕሊ 300 ከም ዝበጽሐ ተመራማሪ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ኣንዲሽ ቲግኒል ሓቢሩ። ንበዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ሽወደናውያን ካብ ዝምድብዎ መገሻ ንኽቑጠቡን ነቲ ኣብ ኣሃዱታት ኣገልግሎት ጥዕና ዝፍጠር ጸቕጢ ከየግድዱን ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓላፊት ድንጋገ ዝኾነት ታሃ ኣሌክሳንደርሰን ተማሕጺና። ንምክልኻል ምልባዕ ክሮና ቫይረስ ተባሂሉ ብብዝሒ መከላኸሊ ኣቕሑ ንቕበል ኣለና፡ እንተኾነ ካብ ምምሕዳራት ዝቐርብ ጠለብ ብዙሕ ብምዃኑ ኣብ ሓጺር እዋን ይውዳእ ምህላዉን ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሆስፒታላት ዝካየዱ መጥባሕታት ከምዝወሓደ ብተወሳኺ ገሊጻ።

ብዝሒ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ብመንጽር ዕድመ

• 32 ሰባት ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም

• 65 ሰባት ካብ 80 – 90 ዓመት ዝዕድሚኦም

• 34 ሰባት ካብ 70 – 79 ዓመት ዝዕድሚኦም

• 6 ሰባት ካብ 60 – 69 ዓመት ዝዕድሚኦም

• 8 ሰባት ካብ 50 – 59 ዓመት ዝዕድሚኦም

• 1 ሰባት ካብ 20 – 29 ዓመት ዝዕድሚኦም


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com