Saturday , April 27 2024

ቅልውላው ትግራይ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ኢሎም

ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ሓለፍትን ሓይልታት ጸጥታን ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕታት ምጽናት ዓሌት ምፍጻሞም ክልተ ዓለምለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጦም።

4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ክልል ኣምሓራ ነቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘቕርበሉ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሩዎ ምህላው ይፍለጥ።

ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ምፍርራሕ፣ ምስርጣይ፣ ብኣስገዳድ ካብቲ ከባቢ ክፈልሱ ብምግባር ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዘመዛበሉዎም ገሊጺም።

ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

እቲ “‘ካብዚ ምድሪ ከነጥፍኣኩም ኢና’፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበንን ምጽናት ዓሌትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ሓይልታትን ሚሊሻን ኣምሓራ “ምጽናት ዓሌትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸሙ ገበናትን” ከም ዝፈጸሙ የርኢ።

Källa BBC tigrinja


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com