Friday , April 26 2024
Foto: Michael Bager, AP / TT

ቚጽሪ ናይቶም ብሓደጋ ባቡር ዴንማርክ ዝሞቱ ሰባት ሸሞንተ በጺሑ።

እዚ ሓበሬታ ፖሊስ ዴንማርክ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ተረኺቡ።

እታ ባቡር ብረቡዕ ንደሴታት ዴንማርክ ዘራኽብ ድልድል ባልትርቦን እናሰገረት እዩ ተኸሲቱ። በዓልመዚ ፖሊስ ዴንማርክ ኣርነ ግሩም “ካልኦት ክልተ ፖሊስ እውን ሞይቶም ኣለዉ” ክብል ገሊጹ።

እቲ ሓደጋ ንግሆ 7፡30 ሓደ ፉርጎ ብኻልእ ሸነኽ ተፈንዩ ምስታ ባቡር ብምግጫዉ እዩ ተኸሲቱ።

ብመሰረት ትማል እተፈነወ ኣፈናዊ ኣሃዝ ሽዱሽተ ምሟቶምን 16 ኸኣ ብፈኲስ ምቚሳሎምን ተገሊጹ ኔሩ።

ብምኽንያት ምፍንጫል ኣካል’ታ ባቡር ክልተ ካብዞም መወትቲ ጸኒሖም እዮም ተረኺቦም።

ካብዞም ግዳያት ሓደ’ውን ህጻን ከም ዘየሎ ተፈሊጡ። መጒዳእቲ ናይ ገሊኣቶም ግዳያት እዝዩ ክብድ ዝበለ ብምንባሩ ንምልላዮም ናይ ኣስናንን ዲኤንኤን መርመራ ክካየድ ኔርዎ።

ፖሊስ ናይቶም ኣብ ቅድሚት ፉርጎ ኮፍ ኢሎም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ግዳያት መንነት ብዘይጥርጥር ምልላዮም ገሊጾም ኣለዉ።

ብመሰረት ኩባንያ መጓዓዝያ ባቡር ዴንማርክ ዲኤስቢ ኣብታ ባቡር 113 ተሳፈርቲ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ባቡርን ምንባሮም ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com