Friday , April 26 2024

“በራሪት መኪና”፡ ኣብ ጎደናታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ንኽትንቀሳቐስ ፍቓድ ረኺባ

ኣብ ዓመተ 2012፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ፡ ብኩባንያ Pal-V ዝተማህዘት ክትበርር እትኽእል ብሊበርቲ (Liberty) እትፍለጥ ነፋሪት መኪና፡ ኣብ ጎደናታት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክትንቀሳቐስ ከምዝትኽእል ፍቓድ ረኺባ’ኳ እንተሃለወት፡ ናይ ምብራር ፍቓድ ከምዘይረኸበት ግን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኩባንያ Pal-V ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ጻዕርን ብዙሓት መሰናኽላት ምስጋርን ኣብ ዓለም፡ መወዳድርቲ ዘይብላ፡ ንዓለም ለኻዊ መምዘኒታት ድሕነት እተማልእ መኪና ክምህዝ ክኢሉ ክትብል ሓላፊ’ታ ኩባንያ፡ ሮበርት ደንግማንሴ፡ ገሊጹ።

እዛ ክልተ ኮፍ መበሊ፡ ሰለስተ መንኮርኮር፡ ናይ ላዕሊ መንገብገብ፡ በንዚን እትጥቀም፡ 160 ኪ.ሜ. ኣብ ሰዓት እትሕንበብ፡ 180 ኪ.ሜ. ኣብ ሰዓት እትበርር፡ ክሳብ 500 ኪ.ሜ. ክትበርር እትኽእል በራሪት መኪና፡ ናይ ፍሬኖን ዝወጽእ መጠን ትኪን መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ፍቓድ ከምዝረኸበት ተፈሊጡ።

እዛ በራሪት መኪና፡ ኣብ 3800 ሜትሮ ብራኸ ክትበርር እትኽእል ኮይና፡ ዋጋኣ ክሳብ 500 ሽሕ ዮሮ ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግምገም። ኣብ ዓመተ 2022፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርያታ፡ 90 ዝኾና መካይን ክፈርያ ምዃነን እቲ ኩባንያ ሓቢሩ ኣሎ።

ብጀካ ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ ቼክ፡ ስሎቫክያ፡ ጃፓን፡ ቻይናን ኣሜሪካን ከምዛ ዓይነት መኪና የማዕብላ ከምዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

መራሕ ናይዛ መኪና፡ ናይ ምብራር መምርሒ ፍቓድ ክህልዎ ከምዝግባእ ሓለፍቲ’ታ ኩባንያ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com