Friday , April 26 2024
CHRISTINA SUNDIEN / XP / TT

በዓልመዚ ማዕርነት ጾታ(ጀንደር) ተዓጽዩ።


ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን ባጀት ለዘብተኛን ክርስትያናዊን ሰልፊታት ዝድግፍ ድምጺ ምሃባ ተረጋጊጹ።

እዚ ህጹጽ ፍታሕ ንበዓል መዚ ማዕረ ዕድላት ኣቖጢዕዎ’ሎ።እዚ በዓልመዚ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥሪ 12 እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

“ኣነን መሳርሕተይን ሎሚ ብዙሕ ኢና ጒሂና” ትብል ዳይረክተር ጀነራል በዓል መዚ ማዕረ ዕድላት ሌና ኣግ።

ዋላኳ ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን ባጀት ለዘብተኛን ክርስትያናዊን ሰልፊ እንተጽደቐት እቲ ጒዳይ ኣብ ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ሎሚ ከይተላዕለ ኣይተረፈን።

ቅድሚዚ ርክብ ኣቦመንበር ኮሚተ ማሕበራዊ ጒዳያት ኣና ጆንሰን ንዚ በዓል መዚ ንምድሓን ዝዓለመ 27 ሽሕ ክታማት ካብ ማሕበር መጽናዕቲታት ጀንደር ምእካባ ይዝከር።

እዚ ግና ሓጋዚ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ሓድሽ መንግስቲ ብህጹጽ እንተዘይተቐዪሩ እዚ በዓልመዚ ታሕሳስ 2019 ክዕጾ እዩ። በዓል መዚ ማዕርነት ጀንደር 60 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com