Monday , April 29 2024

በዓልቲ ቤት መዋቲ ንጉስ ዙሉ፡ ስልጣን ንግስነት ትርከብ

ኑጉሳዊ ቤተሰብ ዙሉ (ደቡብ ኣፍሪቃ)፡ ሓድሽ ንጉስ ክሳብ ዝምረጽ፡ ንሳልሰይቲ በዓልቲ ቤት መዋቲ ንጉስ (ጉድዊል ዝወሊቲኒ)፡ ስልጣን ንግስነት (ንግስቲ) ክትርከብ ወሲኑ።

ንግስቲ፡ ማንትፎምቢ ማድላሚኒ-ዙሉ፡ ካብ 1977 ጀሚራ ሰይቲ ንጉስ ምዃናን ናይ “ዓባይ በዓልቲ ቤት” መዓርግ ሒዛ ምጽንሓን እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ገሊጹ። በዚ መሰረት ሓደ ካብ ደቃ ንጉስ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብል ግምታት ይናፈስ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ 72 ዕድሜኡ ብሕማም ሽኮር ዝዓረፈ፡ ዝወሊቲኒ፡ ብሰንኪ ኮሮና ዘስዓቦ ጥዕናዊ ምትሕልላኻት፡ ብ 12 መጋቢት ምዕራፉ ዝዝከር እዩ። ንሱ ን50 ዓመት ንጉስ ብምዃን፡ ኣብ ዙሉ፡ ዝነውሐ ግዜ ኣብ ንግስነት ዝጸንሐ ንጉስ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝወሊቲኒ፡ 6 ኣንስትን 26 ቈልዑን ከም ዘለዉዎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com