Friday , April 26 2024
Emma-Sofia Olsson/SvD/TT

በዓል መዚ መራኽብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ጌጋ ውሳኔታት ከምዝውስን ተሓቢሩ።

ኣብ በዓል መዚ መራኽብቲ ስራሓት እተመዝገቡ 70 ሽሕ ሰባት ብግጒይ ውሳነ ግዳያት ምዃኖምን ከምዚ ዝበሉ ናይ ኮምፕዩተር ውሳኔታት ንቡር እናኾኑ ይመጹ ምህላዎምን ተገሊጹ።

ተመራማሪት መራኸቢ ብዙሓን Julia Velkova ህዝባዊን ብሕታዊን ጽላታት ውሳኔታት ናብ ኣልጎሪዝም ኣሕሊፈን ይህባን ንሽግር ይቃልዓ ምህላወንን ዘቃልዕ ሓድሽ ጸብጻብ ኣዳልያ’ላ።

ሽወደን ነየኖት ውሳኔታት ኣልጎሪዝም ተጥቀም ፍሉጥ ደረት ከተቐምጥ ይግባኣ።

ኣልጎሪዝም ብዘይደረት ምጥቃም ዘምጽኦ ጣጣ ብግቡእ ምግንዛብ ግዚኡ ሕጂ’ዩ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com