Friday , May 10 2024

ባርዕ ጫካ ኣብ ኦረብሮ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ተባሂሉ

ኣብ ምምሕዳር ኦረብሮ፡ ሊንዲስበሪ፡ ክሳብ 200 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ባርዕ ጫካ ከምተኸስተ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ኣርባዕተ መደበራት መጥፋእቲ ሓዊ’ኳ እንተ ኣሳተፍና፡ ነቲ ባርዕ ክንቆጻጸሮ ስለዘይከኣልና፡ ሓገዝ ካብ ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት ብምሕታት፡ ሄሊኮፕተራት መጺአናና ኣለና ክትብል ሓላፊት ጉጅለ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ዝኾነት ሊንዳ ፎርስቤሪ ሓቢራ።

እቲ ባርዕ ኣብ ሓጺር እዋን ከስፋሕፍሕ እኳ እንተኸኣለ፡ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ግን ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ ክትብል ብተወሳኺ ገሊጻ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com