Friday , May 10 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ– ድሕሪ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ስርሑ ጀሚሩ።

ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ–ድሕሪ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ሎሚ ናብ ስርሑ ተመሊሱ። ኣብ ጽፍሕታት ሚኒስተራት ዝኾነ ምትዕርራይ
ኣይተገብረን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ መንግስቲ ንፖሊሲ ምውህሃድ ስድራቤታት ኣመልኪቱ
ጽገና የካይድ ምህላዉ፡ ኩሎም ስደተኛታት ቋንቋ ሽወደን ክመሃሩ ምዃኖምን ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ናይ
ሎሚ ዓመት ኣኼባ “ሪክስዳግ” ሎሚ ኣብ ስቶክሆልም ይካየድ ኣሎ። ኣብ ማእከል ከተማ፡ ፖሊስ፥ ሄሊኮፕተራትን ጀላቡን፡ ሰባት
ከይሓልፉ ዝኽልክሉ ገመዳትን፥ ብብዝሒ ዝዓጠቑ ፖሊስን ይረኣዪ ኣለዉ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኽእሎ
መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ናብ ”ልዑል” ደረጃ ክብ ምባሎም ዝፍለጥ እዩ።

 

Credit: Henrik Montgomery/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com