Saturday , April 27 2024

ቤትፍርዲ ኢሚግሬሽን ዮተበሪ ብምግድንጓይ ተነቒፉ!!

ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝሓቱ ሰባት ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ዘቕርብዎ ሕቶ ዘይስነመጎታዊን ዘይርትዓዊን ምድንጓይ ኣለዎ ብዝብል ነቐፌታ ወሪድዎ። እዚ ዝተባህለ ብመሰረት ጸብጻብ በዓልመዚ ሓባስ ንብዓት እዩ። እዚ ቤትጽሕፈት ካብ ኣመልከትቲ ዝቐርብ ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ዝምልከት ኮይኑ ሕቶኦም ፈለማ ዝተነጽገ ፥ ኣርባዕተ ናይ ምጽባይ ዓመታት ዘሕለፉን ግዜያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሽውደን ዝረኸቡን ይምልከት።

ናይ ዕቚባ ጒዳያት ኣብዚ ቤትፍርዲ ካብ 17 ክሳብ 21 ኣዋርሕ ዝወስዱ ኮይኖም ብመሰረት በዓልመዚ ሓባሲ ንብዓት ፍቓድ ግዜያዊ መንበሪ ካብ 12 ክሳብ 16 ኣዋርሕ ይጸንሑ። በዓልመዚ ሓባሲ ንብዓት ጒዳያት ብዘይምድንጓይ ክረአ ኣለዎ ንዝብል ዝጥሕስ ስለዝኾን እዚ ኣሰራርሓ ግጉይ እዩ ኢሉ። “ሓተትቲ ዕቚባ ንመስርሕ ዝወስድዎ ግዜ ይናዋሕ ምህላዉ ምምራር ከስዕብ ቅቡል እዩ” ትብል ፕረሲደንት ምምሕዳር ኣብያተ-ፍርዲ ዮተብሪ ዮሃን ሴነር። መጋባእያ ኢሚግሬሽን ዮተበሪ 20 ሚእታዊት ናይዞም ጒዳያት ይዓምም እኳ እንተነበረ ምስ ኣብ ዓመተ 2015 ዝተራእየ ምውሳኽ ስደት ናብ 31ሚእታዊት እዞም ጒዳያት ይርእይ ምህላዉ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com