Tuesday , April 30 2024

ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ንጉዳይ ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈቱ ዝምልከት ሓበሬታ የመሓላልፍ

ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ማለት Arbetsförmedlingen ኣብ መላእ ሃገር ብልዕሊ ፍርቂ ንዝነበሮ ህላወ ኣብያተ ጽሕፈቱ ክዓጹ ድሕሪ ምዉሳኑ፡ ተኸቲሉ ዝመጸ ሳዕቤን ዘይምዕሩይ ብምዃኑ ከምንደገና ብኻል ኣገባብ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ህላወኡ ብምምላስ ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣብያተ ጽሕፈቱን መዉሃቢ ኣገልግሎቱን ክመልስ ከምዝወሰነ ቃል ኣትዩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ክንዲ ከም እንደገና ኣብያተ ጽሕፈታት ብመልክዕ ክራይ ዘይተደለየ ወጻእታት ዝገብር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባታት፡ ንዘለዉ መንግስታዉን ዞባዉን ምምሕዳራዊ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ቦታ ብምክራይን ምስ ምምሕዳራት ብምስምማዕን ኣብቲ ድሮ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብያተ ዕዮ፡ ብምዃን ኣገልግሎት ክህብ ከም ኣማራጺ ኣገባብ ሒዙ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከምዝዝከር፡ ብዙሓት ዞባውያብ ምምሕዳራት፡ ምዕጻዉ ኣብያተ ጽሕፈት ዕዮ፡ ህዉኽን ብግቡእ ዘይተሓስበሉ ዉሳነን ኔሩ ብምባል ነቐፌታ ከምዘስማዓ ይዝከር። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com