Saturday , April 27 2024
John Locher/TT

ብሕልማ ክበጽሓ ኸሎ ዝረኣየቶ ሎተሪ ብውነኣ ዝተጋህደላ ኣሜሪካዊት

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚሺጋን እትቕመጥ ኣሜሪካዊት መንእሰይ ብሕልማ ናይ 4 ሚልዮን ዶላር ለተሪ ክበጽሓ ኸሎ ድሕሪ ምርኣያ ብተደጋጋሚ ሎተሪ ክትቈርጽ ብምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝሓለመቶ መጠን ገንዘብ ዝሓዘ ሎተሪ ከም ዝበጽሓ ትካል ሎተሪ ሚሺጋን ይሕብር።

እዛ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ፡ እቲ ዝረኣየቶ ሕልሚ ደጋጊማ ሎተሪ ብምግዛእ ዕድላ ንኽትፍትን ከም ዝደፋፍኣ ትዛረብ።

ንሳ ዝተሰምዓ ስምዒት ክትገልጽ እንከላ “ንምእማኑ ከም ዘሸግር እርድኣኒ እዩ። ግን ሓቂ ንምዝራብ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ሎተሪ ፍሒቘ 4 ሚልዮን ዶላር ከም ዝበጽሓኒ ካብ ዝሓልም ንደሓር ብዘይምስልካይ ደጋጊመ ሎተሪ ብምግዛእ ክሳብ 30 ዶላር ኣውጺአ እየ” ትብል።

ድሕሪ ብዙሕ ፈተነታት፡ ኣብ ከተማ ዲትርዮት ኣብ ሓደ ቫሌሮ ዝስሙ መዐደሊ ነዳዲ ዝገዝኣቶ “ሚልዮኔር ክለብ” ዝተባህለ ሎተሪ ሕልማ ብምግሃድ ነዚ ዕድል’ዚ ከም ዘብቅዓ ካብ ትካል ሎተሪ ሚሺጋን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

“ሎተሪ ቑረጽ፡ ተስፋ ግን ኣይትቑረጽ” ዝብሉኹም ከምዚ እዩ!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com