Saturday , April 27 2024

ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዝንቀሳቐሱ መጠን ብዝሒ ገያሾ ዝተሓተ ኮይኑ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ቁጽሪ ናይቶም ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዝተንቀሳቐሱ ገያሾ ብጣዕሚ ትሑት ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን ገሊጹ።

ሓደ ካብቶም ዓሰርተ መዓርፎ ነፈርቲ ኩባንያ ስዊዳቭያ፡ 386 ሽሕ ዓማዊል ከምዝኣንገደን፡ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ብ87% ከምዝጎደለ ተፈሊጡ.።

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሮማ (Bromma) ዝለዓለ መጠን ምጉዳል ከም ዘርኣየን እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራይ ብ95% ዝተሓተ ምኻኑ ይፍለጥ። ዓመተ 2020 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ መጠን ብዝሒ ገያሾ ብ78% ከምዝጎደለ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

ሃገራዊ ኩባንያ ስዊዳቭያ፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ጥራይ፡ ናይ 717 ሚልዮን ክሮነር ክሳራ ምምዝጋቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ በረራ ሽወደን፡ እቲ ዝተሓተ ኣታዊ ዝተራእየሉ ግዜ ምኻኑ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com