Friday , May 10 2024

ብምኽንያት ምስጒጒ ስድራቤታት ካብ ኣባይቲ ቆልዑ ሃስያ ይወርዶም ኣሎ

Credit: Johan Nilsson

ስድርኦም ካብ ቤቶም ይስጐጒ ብምህላዎም ቆልዑ ተሰከምቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ይኾኑ ከምዘለዉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ተለቪዥን ሽወደን SVT ሓቢሩ። ዓሚ ኣብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ሕዳር 610 ህጻናት በዚ ኲነታት ከምዝተሃስዩን እዚ ድማ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ወሰኽ ከምዘርኣየ እታ ተሌቪዥን ጸብጺባ’ላ። ብመሰረት ሃገራዊ ትካል ምኽፋል ዕዳ “ክሮኖፎግደን” ድሕሪ ፋይናንሳዊ ቅልውላው 2008 ካብ ዝነበሩ ዓመታት ጀሚሩ፡ ክንድዚ ዝኣክል ብምስጓጒ ስድራቤት ኣብ ኣባይቲ ዝተሃስዩ ህጻናት ተራእዮም ኣይፈልጡን እዮም ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com