Monday , April 29 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ብምኽንያት በረድ ብርክት ዝበለ ሓደጋታት ትራፊክ ኣጋጢሙ።

ብስኑይ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዝወረደ ብርቱዕ ውርጪ ኣብ ጽርግያታት ብምግጋሩን ሸታሕትሖ ብምፍጣሩን ጠንቂ ሓደጋ መካይን ምዃኑ ተገሊጹ።

ብምኽንያት እዚ ክስተት ትማል ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ስቶክሆልም ሰለስተ መክይን ህዝባዊ መጓዓዝያ ዕንወት ከም ዝበጽሐን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።

ብዘይካዚ ኣብ ኣፕሳላ ልዕሊ 40 ዝኾና ኣውቶቡሳት ብሰንኪ በረድ ካብ ቀንዲ ጽርግያ ብምንሽርታተን ናብ ቦትአን ናይ ምምላስ ስራሕ ከም እተኻየደ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com