Friday , April 26 2024
Emergency services outside Liverpool Women's Hospital in Liverpool, England,(Peter Byrne/PA via AP) LLT820

ብሪጣንያ፥ ሰለስተ ሰባት ብግብረሽበራ ተኸሲሶም

ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ደቀንስትዮ ሊቨርፑል ሓደ ሰብኣይ ብነታጒ ድሕሪ ምሟቱ ሰለስተ ሰባት ብኣዋጅ ግብረሽበራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ።

መዋቲ ገና መንነቱ ከም ዘይተረጋገጸ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣውቲስታ እታ ታክሲ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ።

በዚ ግብረሽበራዊ ተግባር ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 29 ፡ 26 ከምኡውን 21 ዓመት ዝዕድሜኦም ኮይኖም ኣብ ከባቢ ኪንግስተን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ወኪል ጸጥታ ብሪጣንያ MI5 እውን ኣብዚ መርመራ ይሳተፍ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com