Saturday , April 27 2024
Children between 12-15 should receive Pfizer's COVID-19 vaccine in the UK. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብሪጣንያ፥ ቆልዑ ክኽተቡ እዮም

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብሪጣንያ: መንግስታት ኣርባዕተ ሃገራት: ካብ 12-15 ንዝዕድሜኦም ቆልዑ ቀዳማይ ዶዝ ጸረ ኮሮና ንኽወስዱ ለበዋ ምትሕልላፉ ተገሊጹ።

 

እዚ እንተተጌሩ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘሎ መጠን ለበዳ ከም ዝጎድልን ብምኽንያት ሕማም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ተመሃሮ ከም ዘይህልዉን ን ኮሚተ ክኢላታት ብሪጣንያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ: 3 ሚልዮን ቆልዑ ቀዳማይ ክታበት ፋይዘር ክወስዱ ምዃኖምን እዚ ብምጽናዕ: ካልኣይ ክታበት ክወስዱ ኣለዎም ወይስ የብሎምን ዝብል: ክውሰን ምዃኑ AFP ጸብጺቡ’ሎ።

 

ኣብ ብሪጣንያ: ኣስታት 134 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮና ምሟቶም ዝፍለጥ እዩ። ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ክታበት ዝለዓለ እኳ እንተኾነ:  ደልታ ዝተባህለ ጅርን ምጅማር ትምህርትን ነቲ ለበዳ ክስዕርር ጌሮሞ ምህላዉ እቶም ክኢላታት ወሲኾም ኣመልኪቶም።

 

12ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ህጻናት ንምኽታብ: ፋይዘር-ባዮቴክ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ተቐባልነት ረኺቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com