Sunday , April 28 2024
MALMÖ 2021-08-17 Paraplyer på rad i skyfallet vi Centralen i Malmö på tisdagen. Ett kraftigt regnoväder drog in över södra Sverige på tisdagen. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብርቱዕ ዕልቕልቕ ክህሉ ከምዝኽእል፡ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ትማሊ ለይቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ያቭለቦሪ ብዝዘነበ ከቢድ ዝናብ፡ ዕልቕልቕ ፈጢሩ ምህላዉን ብዙሓት ህንጻታትን ጽርግያታት ውን ብማይ ተዋሒጦም ከምዘለዉን ብፍላይ ድማ እቶም ትሕቲ ገለርያታት ዝሓልፉ ጽርግያታት፡ ኣብ ብርቱዕ ዕልቕልቕ ከምዝርከቡን  P4 Gävleborg ሓቢሩ ክብል ተተ ኣቃሊሑ።

ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ገዝኦም ንኽጸንሑ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት ያቭለ፡ ሓቢሩ ከምዘሎ፡ እታ ጋዜጣ ገሊጻ። ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት፡ ነቶም ብቐዳምነት ዝሰርዖም ህንጻታት፡ ብፖምፓታት እናተጠቀመ፡ ማይ ክጩንግዕ ወሲኑ ከምዘሎ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ሓቢሩ።

ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ከባቢታት ያቭለቦሪን ዳላርናን፡ ክሳብ 100 ሚሊ ሜትር ዝዓቐኑ ዝናብ ክዘንብ ተኽእሎታት ብምህላዉ፡  2ይ ደረጃ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com