Monday , April 29 2024
stock nation

ብሰንኪ መንደራጋሕ በረድ ዓቕሚ ሆስፒታላት ሰሜን ኖርወይ ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ሓደጋታት መንደራጋሕ በረድ ዓቕሚ ሆስፒታላት ሰሜን ኖርወይ ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ተሌቪዥን TV 2 ኣቃሊሓ። 

“ኣገልግሎት ቱሪዝም ንምሃብ ናብዚ ዝመጹ ውልቀሰባት ረኺብና ዘድሊ ሓበሬታ ክንህቦምን የድልየና ኣሎ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ሰሜን ኖርወይ ዋና ሓኪም ማድስ ጂልበርት ነታ ተሌቪዥን ገሊጹ’ሎ። ሓደጋ መንደራጋሕ በረድ ንምውጋድ እዚ ክግበር ናይ ግድን እዩ ምብሉ እታ ተሌቪዥን ወሲኻ ኣመልኪታ። 

“ብሰንኪዚ ሓደጋ ስርሒታት ክንውዝፍ ከምኡውን ተሓከምቲ ናብ ካልኦት ሆስፒታላት ክንቅይር ተገዲድና ኢና” ኢሉ። 

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኖርወይ ኣርባዕተ መንደራጋሕ በረድ ተኸሲቶም ኣለዉ። ኣብዚ ሓደጋ ብጠቕላላ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ከም እተጠቕዑ ተፈሊጡ። ዝበዝሑ ካብዞም ግዳያት ፍቕሪ ምንሽርታት በረድ ዘለዎም ወጻእተኛታት እዮም ተባሂሉ’ሎ። “ካብ ወጻኢ ናብዞም እምባታት በረድ ዝመጹ ኣፍቀርቲ ጸወታ ምንሽርታት ብዛዕባ ተኽእሎታት መንደራጋሕ እዂል ሓበሬታ ክወሃቦም ኣለዎ” ክብል ጂልበርት ወሲኹ ተላብዩ’ሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com