Tuesday , April 30 2024
Just under 62 percent of adults in Region Stockholm have received two doses of vaccine against COVID-19. Foto: Stina Stjernkvist / TT / kod 11610

ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ሆስፒታል ኣትዮም

ካብ ዕለት 17 ክሳብ 23 ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 1965 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ይቕጽል ይኸይድ ምህላዉን ጸብጻባት ምምሕዳር ስቶክሆሎም ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ ማለት 2177፡ ብውሑድ ቁጽሪ ዝተሓተ ከምዝኾነ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ብዝሒ ናይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክግበረሎም ዝሓቱ ዘለዉ ሕሙማት፡ ቁጽሮም እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ። 79 ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም እቶም 11 ሰባት፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘለዉ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 17 ዝዛየደ ምዃኑ ተገሊጹ።

ካብቶም ካብ ሆስፒታል ዝወጹ ሕሙማት ኮቪድ ነበር፡ እቶም 92% ምሉእ ክታበት ዘይወሰዱ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ። ብዝተኻእለ መጠን፡ ህዝቢ ሽወደን፡ ክልተ እብረ ክታበት ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ክኽተብ ከምዘለዎ ክብል፡ ዳይሬክተር ጥዕና ስቶክሆሎም፡ ዮሃን ብራት፡ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ስቶክሆሎም፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት፡ 61.2% በጺሑ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com