Saturday , April 27 2024
Credit: Martina Holmberg/TT

ብሰንኪ ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዋጋታት መግቢ  ክውስኽ እዩ።

ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ቅልውላው ዘስዓቦ ናህሪ ዋጋ ጋዝ ኣብ ቀረባ ግዜያት ምውሳኽ ዋጋታት መግቢን ዝቕባበን ከኸትል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ብቐጥታ ኣብ ዋጋ መግቢ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም ኣለዉ።

ዋላኳ እዚ ወሰኽ ክሳብ ክንደይ ክኸውን እዩ ንዝብል ብኣሃዝ ንምቕማጡ ዘሸግር እንተኾነ አባት ዝቕባበ ዋጋ ክጽበዩ ከም ዝግባእ ኣብ ባንክ ኖርዲ ቀንዲ ተንታኒ ቊጠባዊ ጒዳያት ቶርብዮርን ኢዛክሰን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com