Saturday , April 27 2024
Multiple people, including several children, have died in a house fire in Chestermere, Alberta, just east of Calgary, Friday, July 2, 2021. (Jeff McIntosh/The Canadian Press via AP) JMC105

ብሰንኪ በርቂ፡ ኣብ 130 ቦታታት ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ኣብ ምዕራብ ካናዳ: ዞባ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ: ብሰንኪ በርቂ ኣብ 130 ቦታታት ባርዕ ሓዊ ከም እተኸስተ ተገሊጹ። ፈደራላዊ መንግስቲ ካናዳ: ነዚ ባርዕ ንምጥፋእ: ወተሃደራዊ ነፋሪት ክልእኽ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ተቐማጦ ሊተን: ዓዶም ገዲፎም ምልቃቖም ዝዝከር እዩ።

ክሳብ 49.6°C ብምብጻሕ: ዝለዓለ መጠን ሙቐት ዘመዝገበት: ሊተን: ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብባርዕ ምሉእ ብምሉእ ምዕናዋ ይፍለጥ። እዛ 250 ሰባት ዝቕመጥዋ ገጠር: ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቫንኮቨር: ኣብ ናይ 160 ማይል ርሕቀት እትርከብ ኮይና: ነበርታ ዝሓለፈ ረቡዕ ንብረቶም ከውጽኡ ውን ዕድል ዘይህብ ባርዕ ብምኽሳቱ ካብታ ከተማ ምልቃቕቖም ቢቢሲ ሓቢራ።

ትማሊ ዓርቢ: ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ: ኣብ መላእ እታ ኣውራጃ 130 ንጡፍ ባርዕ ተኸሲቱ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። “ብርክት ዝበሉ ካብዞም በርቂታት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እዮም ሃሪሞም ክብል ዳይረክተር ስርሒታት ክሊፍ ቻፕማን ይሕብር።

ኣማኢት ዝኾኑ ነበርቲ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com