Saturday , April 27 2024
Foto: Christine Olsson / TT / Kod 10430

ብሰንኪ ውርጪ ሽግር ትራፊክ ተኸሲቱ።

ብሰንኪ ሎሚ ንግሆ ዝወደቐ ከቢድ ውርጪ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ናይ ትራፊክ ዕልቕልቕ ክኽሰት፡ ከምኡውን ኣውቶቡሳትንባቡራትን ጒዕዞአን ክስርዛ ምኽንይት ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ጽርግያ ተሽከርከርቲ ናይ ትራፊክ ጻዕቂ ከም እተኸስተ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ውርጪ ንሰሜን ወገን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን ሰብ ተሽከርከርቲ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣተሓሳሲባ’ላ። ኣብ ዞባ ኡሬቦ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መካይን ብሰንኪ በረድ ተንሸራቲተን ካብ ቀንዲ ጽርግያ ከም ዘንደልሃጻ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ገሊጻ። ብርክት ዝበላ ተሽከርከርቲ ናብ ሳመር ጎማታት ለቢሰን ምህላወን ኣብ ዊንተር ንዝገብራኦ ጒዕዞ ሓደገኛ ይገብሮ ምህላዉ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ወሲኹ ኣተሓስሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com