Monday , April 29 2024

ብሰንኪ ጒድለት ንቕሓት ኣብ ቦት ስራሕ ዘሎ ኣድልዎ ይቕጽል

Credit: Martina Holmberg / TT

ብሰንኪ ዋሕዲ ሲቪካዊ ንቕሓት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኽሰት ወገናውነት ንምንካይ ዝዓለመ ስልጠና ብዙሕነት፥ ክንድቲ ዝተሓሰበ ውጽኢት ከምዘይኣምጽአ ዩኒቨርሲቲ ማላርዳለን ዝገበሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ዋላ’ውን ንሰሙናት ዝቕጽል ጽዑቕ ምክትታል ዝግበረሉ ሰፊሕ መደባት ስልጠና፡ ኣብ ተሳተፍቲ ብውሽጠ ውነ ነቶም ‘ልሙዳት ገጻት ሽወደናውያን” ዝድግፍ፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር ካብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ንዝመጹ ኣስላም ዘሎ ኣሉታዊ ኣረኣእያን ወገናውነት ከጉድል ከምዘይከኣለ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። ይኹን’ምበር ከምዚ ዓይነት ኮርሳት፡ ኩባንያታት ንጽልዋ ወገናውነት ንምንካይ ዝሓሸ ልምድታት ንምትእትታው ክሕግዝ ይኽእል እዩ ይብል ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-ማሕበረሰብ ሞኣ በርሰል። እዚ እናኾነ በዓል መዚ ምቊጽጻር ፋይናንስ (FI) ህዝቢ ብክሪፕቶካረንሲ ሃብቲ ክረክብ ቃል ብምእታው፡ ብዓሎቐኛታት ወፍሪ ከይዕሾ ኣተሓሳሲቡ። ”ዓማዊል ኣብ ዘይብሉ ኩባንያታትን ፍርያትን ወፍሪ ንኽገብሩ ንምትላል ኣዝዮም ዝተራቐቑ ሜላታት እዮም ዝጥቀሙ” ይብል ሞኣ ላንገማርክ ዝተባህለ ኣብ ኤፍ.ኣይ.።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com