Tuesday , April 30 2024
Letters that appear to come from Region Västerbotten have been sent out to schools in Skellefteå. The letter urged people not to vaccinate children. Foto: Gorm Kallestad / NTB

ብስም ዞባ; ናይ ሓሶት ደብዳቤታት ተላኢኹ

ኣብዚ ሰሙን ዚ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳቤታት እንተወሓደ ናብ ሓደ ኣብ ሸለፍቲዮ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝተላእከ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ፡፡ ዋላ `ኳ እቲ ለኣኺ ካብ ዞባ ቨስተርቦተን እንተመሰለ፡ ሓሶት ምዃኑ ግን ተረጋጊጹ እዩ ክብል እቲ ማዕከን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

እቲ ብግልጺ ናብ ናይ`ቲ ከባቢ ርእሰ-መማህራንን ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣለይቲ ሕሙማትን ብናይ`ቲ ዞባ ናይ ገዛእ-ርእሱ ጶስጣ ዝተላእከ ደብዳበታት፥ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ቆልዑ ክታበት ንከይወሃቦም ዘተሓሳስብ ምሕጽንታን ካልእ መታለሊ ሓበረታ ብዛዕባ ክታበትን ዝሓዘ ዩ፡፡ ዋላ`ኳ ብዝሒ ናይ`ቲ ዝተላእከ ደብዳእታት ብልክዕ እንተዘይተፈልጠ፡ ዞባ ቨስተርቦተን ግን ብዛዕባ `ቲ ናይ ሓሶት ደብዳቢታት ናብ ፖሊስ ናይ`ቲ ከባቢ ኣመልኪቱ ኣሎ፡፡

ሓደ ሰብ፡ ቅድመ-ብቓዓት ብዘለዎ ናይ መንግስቲ ጶስጣ ብምጥቃም፡ ብስም`ቲ ትካል፡ ናይ ሓሶት ሓበረታ ምዝርግሑ፡ ኣዚዩ ከቢድ ገበም ምዃኑ፡ ዳይረክተር ኣከባቢ ዞባ ቨስተርቦተን ዝኾነ ቶሚ ስቨንሰን፡ ምስ ጋዜጣ ቨስት ኮስት (V.K.) ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com