Monday , April 29 2024
Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብዓሌታዊ ጽልኢ ዝጠንቁ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተፈሪድዎ። 

ኣብ ላንድቨተር ሓደ ወዲ 5 ዓመት ሰብኣይ ንሓደ ወዲ 30 ዓመት ብተኹሲ ብረት ዝፈጸመሉ መጥቃዕቲ ብናይ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ። 

እቲ ተኳሳይ ዋላ እኳ ብጌጋ ተኩሱ ንግዳይ ከምዝሃረሞ እንተተኣመነ፣ ኣብ እዋን ፍጻሜ ግዳይ ተሃሪሙ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ስለምንታይ ኢሎም ንዝሓተተዎ መቕርብ ናይቲ ብጥይት ዝተሃሰየ ግዳይ፣ ብሕብሮምን ዓሌቶምን ከምዝዘሎፎምን ዘዋረዶምን ብምስክርነት ከምዝተረጋገጸ ነቲ ጉዳይ ዝሓዘ ኣኽባር ሕጊ ኣፍሊጡ። 

በዚ መሰረት እቲ ወዲ 45 ዓመት ባዓል ብረት መበገሲ መጥቃዕቱ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝመንቀሊኡ ምንባሩ፣ በዚ ገበን እዚ ተፈሪዱ ክቕጻዕ ንቤት ፍርዲ ብመሰረት ዝቐረበ ክሲ፣ ደያኑ ነቲ ክሲ ብምቕባል ዉሳነ ከምዘሕለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣  ይኹን እምበር ዋልኳ ኣኽባር ሕጊ ነቲ ፍጻመ ፈተነ ቅትለት እዩ ኢሉ እንተኸሰሰ፣ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ነቲ ባዓል ብረት ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ብፈተነ ቅትለት፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝመበገሲኡ ኣካልዊ ጉድኣት ወዲሰብ ብዝብል ክሲ ክቕጻዕ ከምዝተወሰነ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ እቲ ወዲ 45 ዓመት ፍሩድ ቅድሚ ሕጂ እዉን፣ ብተደጋጋሚ ካልኦት ገበናት ዝፍለጥ ምዃኑ ተመልኪቱ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com