Saturday , April 27 2024

ብዙሓት ኲባንያታት ፍቓድ ስራሕ ክንክን ኣባይቲ ተኸልኪለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን” (ወይ ከኣ IVO)፡ ንፍርቂ ካብቶም ስራሕ ክጅምሩ ዝሓተቱ ኲባንያታት ክንክን ኣባይቲ ናይ ኣይፋል መልሲ ከም ዝሃቦም ገሊጹ።

“ከምዚ ዝበለ ውሳነ ምውሳንና ጌጋ እዩ ኢለ ኣይሓስብን” ክትብል፡ ሞኒካ በርሉንድ ካብ “ምቊጻር ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን” ገሊጻ’ላ።

ኣብ 2019 ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ኣባይቲ ንምስራሕ ናይ ፍቓድ ረቛሒ ከም እተኣታተወ ዝፍለጥ እዩ። ዕላማ እዚ ረቛሒ ካብ ዓሎቕ ንምክልኻል ምዃኑ IVO ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com