Tuesday , April 30 2024
Vaccine manufacturer Pfizer-Biontech is launching a study of omichronised vaccine. (AP Photo/Maya Alleruzzo) XMA104

ብዛዕባ ኣንጻር ኦሚክሮን ዘገልግል ክታበት፡ መጽናዕቲ ተጀሚሩ

ኩባንያ ፋይዘር ባዮንቴክ፡ ኣንጻር እቲ ልዑል ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ዘለዎ ጅር ኦሚክሮን ዘገልግል ሓድሽ ክታበት ንምርካብ ዘተኮረ እዋናዊ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቶም ኣቐዲሞም ዝተኸትቡ ሰባት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዓይነታት ጅር ኮቪድ ዘስዕብዎ መልከፍቲ ዝያዳ ብጅር ኦሚክሮን ይልከፉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ይኹን ምበር፡ ኣቐዲሙ ዝነበረ ክታበት ሕጅ ውን ገና ካብ ከቢድ ሕማምን ሞትን ብቑዕ ናይ ምክልኻል ኣገልግሎት ይህብ ስለዘሎ፡ ተማራመርቲ ብዛዕባ ኣድላይነት ናይቲ ብሕጂ ዝመሃዝ ሓድሽ ዓይነት ክታበት ዛጊት ርግጸኛታት ክኾኑ ኣይከኣሉን ዘለዉ፡፡

እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰ ከይከይድ ንዝብል ሕቶ ግን ድልዋት ናይ ምዃን ኣድላይነት ብግቡእ ንግንዘብ ኢና፡፡ ከም ኡ ውን ኣብ መጻኢ ጠንቂ ናይ ኦሚክሮንን ካልኦት ሓደስቲ ጅር ቫይረሳትን ኣብ ምርዳእን ምቁጽጻርን ድማ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክህልወና እዩ ክትብል፡ ዳይረክተር ምርምር ኩባንያ ፋይዘር ዝኾነት፡ ካትሪን ጀንሰን፡ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብሪሃ፡፡

ኣብ ክሊ ዕድመ 18ን 55ን ዓመት ዝርከቡ 1,420 ዝኾኑ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝግበር መጽናዕቲ ክታበት ክሳተፉ ምዃኖም ውን ካብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ `ሎ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com