Monday , April 29 2024
Foto: Johan Hallnäs/TT

ብዝተፈላለየ ጸገማት ሓደ ወይ ከኣ ክልቲኦም ወለዲ ካብ ዝነብርዎ ገዛዉቲ ብሰንኪ ዝተሰረዘ ዉዕል ገዛ ቀሊል ቁጽሪ ዘይባሃሉ ቆልዑ ብዘይ መንበሪ ይተርፉ ከምዘሎዎ ንጸብጻብ ባዓል መዚ ክሮኖፎግደን ብምጥቃስ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2021 ብድምር 572 ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ከምዝተሰጎጉን ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቈልዑን መንእሰያትን እቲ ዝነብርዎ ገዛ ዉሑሱን ዉህቡን ምኹኑ እምበር ካል ሕልኽላኽ ኣሎዎ ኢሎም ከምዘይኣምኑን ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፣ ዝሓለፈ ዓመት 572 ስድራቤታት 123 ግዳያት ቤት ኣልቦ ከምዝኾኑ፣ እዚ ኸኣ ወለዶም ካብ ዝነብርዎ ገዛ ብግዴታ ክወጹ ምስተገብረ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።  እዚ ድማ ምስ 2020 ክነጻጸር ከሎ ዝላኦለ ምዃኑ ይንገር።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ ሽወደን ኣብ ዓሰርተ ምምሕዳራት ዳርጋ ኣርባዕተ ዝዀኑ ቘልዑ ዘለዉዎም ስድራቤታት ካብ ዝነብርሉ ገዛዉቲ ከምዝስጎግጉን፣ እዚ ኸኣ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ቆልዑ ዘሎዎም ስድራቤታት ካብ ገዝኦም ክስጎጉ የብሎምን ንዝብል ሃገራዊ ሸቶ ብፍጹም ዝጻረር ተርእዮ ብምዃኑ ዝያዳ ዘሻቕል ገርዎ ከምዘሎ እቲ መጽናዕታዊ ሰነድ ኣመልኪቱ።

ኣብ ሽወደን ምስ ምኽፋል ገዛ ኽራይን ካልእ ጸገማትን ብዝተሓሓዙ ጉዳያት ሰባት ካብ ገዝኦም ብግዴታ ክወጹ ከምዝግበር ጸብጻባት የረድኡ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com