Thursday , May 9 2024

ብ AI ዝስራሕ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ጸገም ይፈጥር

Credit: Fredrik Sandberg/TT/Tomas Hedman/Sveriges Radio

ብመሳርሒ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝመሃዙ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ እናተጋደደ ዝመጸ ጸገም ክፈጥሩ እዮም ብል ስግኣት ምህላዉ ተሓቢሩ። ኣብ “ኤጀንሲ ምክልኻል ስነ-ልቦና” ሽወደን ላዕለዋይ ተንታኒ ኣንድርያስ ኤደቫልድ “ሓደ ፖለቲከኛ ዝበሎ ብምጥምዛዝ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኣምሲልካ ዘይተባህለ ሓበሬታ ብምርጋሕ፡ ህዝቢ ኣብ ሓደ ፖለቲከኛ ወይ ዝውክሎ ሰልፊ ዝጸንሖ እምነት ንኸንቈልቊል፥ በዚ ድማ ውጽኢት ምርጫ ንምቕጽልባስ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም” ይብል። ድሮ ገለ ፖለቲከኛታት ዝበልዎም ብምምሳል ናብ ህቢ ተዘርግሑ ቪድዮታት ከም ዘለዉ ሓበረት ሬድዮ ሽወደን፥ ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ኣትሒኡ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣብዚ መዳይ ዓብዪ ብድሆ ክፈጥር ከም ዝኽእል ርኡይ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com