Friday , April 26 2024
Prayer among Jair Bolsonaro's supporters at the Planalto Presidential Palace in Brasília on Monday. (AP Photo/Eraldo Peres) XLM114

ቦልሶናሮ፡ ንማሕበራዊ ሚድያ ብኣዋጅ ይብድሆም

ሕሉፍ የማናዊ ፕረዚደንት ብራዚል፡ ቦልሶናሮ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝግበር ምምማይ ሓበሬታን ዘይፍትሓውነትን ብኣዋጅ ደው ከብሎ ይፍትን ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ፌይስቡክ፡ ነቲ ትእዛዝ ምንጻጉ ተፈሊጡ’ሎ። ጃየር ቦልሶናሮ፡ ” ናይ ትሮፒክስ ትራምፕ” ዝብል ሳጓ ከም ዝጠበቖ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝልጥፎም ነገራት፥ እንተላይ ብጉዳይ ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ዘመሓላልፎም ናይ ባጫ መልእኽታት፡ ከም እተኣገዱ ዝፍለጥ እዩ። ብሰኑይ፡ ኣብ ዘሕለፎ ኣዋጅ፡ እዘን ዓርሞሸሽ ኲባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ነዚ እገዳታት ከልዕላ ምእንቲ፡ ተረር ዝኾነ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብመሰረት ሚድያታት ብራዚል፡ እዚ ትእዛዝ፡ ነቲ ብዘይ ፍቓድ ዝግበር ምስራዝ ሒሳባትን ፕሮፋትላትን ዝኽልክል እዩ ክብላ ገሊጸን ኣለዋ።

እንተኾነ ግና፡ እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ናብ ሕጊ ንኽልወጥ፡ ብባይቶ’ታ ሃገር ክጸድቕ ከምዝግባእ ቅዋም ብራዚል ዝሕብሮ እዩ። እዚ ድማ ፍጹም ርጉጽ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ን AFP ብምጥቃስ እዚ ትእዛዝ፡ ንቅዋም እታ ሃገር ዝጥሕስ እዩ ክብል ፌይስቡክ ገሊጹ’ሎ።

ሃገረ ብራዚል፡ ኣብ ዓመተ 1822፡ ናጽነታ ከም ዝተጓናጸፈት ይዝከር። ሃገራዊ መዓልቲ ብራዚል ድማ፡ ብዕለት 7 መስከረም ከምዝሓለፈን፡ ቅድሚ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድማ፡ ኣብታ ዕለተ ናጽነት፡ ንቦልሶናሮ፡ ዝድግፉን ዝቛወሙን ህዝባዊ ሰልፊታት ከምዝተኻየዱ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com