Wednesday , May 8 2024

ቦርድ ኢመግሬሽን ለበዳ ኮሮን ንምዕጋት መርመራ ሓተትቲ ዕቚባ ምቊራጹ ገሊጹ።

ቦርድ ኢመግሬሽን ብዙሓት መደባት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ክቋረጹ ይገብር ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። ውሕስነት ሓትተቲ ዕቚባ ንምዕቃብን ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምቊጽጻርን ብተጠንቀቕ ይከታተል ምህላዉ ድማ ሓላፊ ፕረስ እቲ በዓልመዚ ፐር ኤክ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ስራሕ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ክወስድ ምዃኑን ኣፋዊ መርትዖታት ሓተትቲ ዕቚባ ምእካብ ከም ዘየቋርጽን እዚ ድማ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ንምንካይ ተባሂሉ ዝውሰድ ዘሎ ስጒምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ብሓጺሩ ሓተትቲ ዕቚባ ዕጒግ ኢሎም ብዛዕባ ጒዳዮም ዝሓትቱሉን ዝከታተልሉን ኣገባብ ብምኽንያት እዚ ለበዳ ከም ዝቋረጽ ክግበር እዩ። ሓተቲ ዕቚባ ንሽወደን ምስ ዝኣትዉ ቃለ መሕትት ምግባር ወይ ምንቅስቓስ ዘይሓቱ ጒዳያት ስራሕና ኣብ ምስላጥ ግና ተጊህና ክንቅጽል ኢና ድማ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com