Saturday , April 27 2024
Lena Klimkeit/TT

ቫቲካን ሚስጥራዊ ሰነዳት ፓየስ ክትቀልዕ ምዃና ጳጳስ ፍራንሲስ ኣፍሊጡ።

ቫቲካን ሚስጥራዊ ናይ ዘመነ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ሰነዳት ፓየስ መበል 12 ክትቀልዕ ምዃና ጳጳስ ፍራንሲስ ኣፍሊጡ።

ፓየስ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም (1939-1958 ) ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝነበረ ኾይኑ ንምትንሳእ ሰልፊ ናዚ ዘተባብዐን ብዛዕባ ምጽናት ህዝቢ ኣይሁድ ኲንኔ ዘየስምዐን እዩ ተባሂሉ ብዙሕ ክንቀፍ ዝጸንሐ እዩ።

ቫቲካን ፓየስ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኑ ኣንጻር ናዚን ምጽናት ዓሌትን ተቓሊሱ እዩ በሃሊት እያ።

ነቶም ቅድሚ ሕጂ ተኸልኪሎም ዝነበሩ ሰነዳት ክፉታት ምዃኖም ተመራመርቲ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።

እዞም ሰነዳት ካብዚ ወርሒዚ ጀምሮም ክፉታት ክኾኑ እዮም ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com